Embassy and Permanent Mission of the State of Eritrea in Geneva
This website use cookies to help you have a superior and more relevant browsing experience on the website.
ሓበሬታ ኣገልግሎታት ኤምባሲ
ሓፈሻዊ ሓበሬታ
ቅጥዒ/ፎርም ኩሉ ዝጥለብ ኣገልግሎታት ኣብ ኢንተርኔት ይምላእ። ከም ቅድም ኣብ ቤት ጽሕፈት ዝምላእ ዝኾነ ኣገልግሎት የለን። ንቤት ጽሕፈት ኣብ ቆጸራኻ ብኣካል ትመጽእ፣ ስእሊ ተሳኢልካ ወረቐት ንምፍራምን ንምኽፋልን ሓድሽ ፓስፖርት ወይ ወረቐት መንነት ንምርካብ ጥራይ ኢዩ።
ዝኾነ ጉድለት ዘለዎ መሕተት ኣገልግሎት ይኹን ዝሕተት ሰነዳት ዘይተሰነየ ጠለብ ኣገልግሎት ከምዘይንቕበል ንሕብር። እቶም ዓቕሚ ዘይብሎም ነቶም ዘለዎም ክሕግዝዎም ክሓቱ፣ እንተዘይኮይኑ ግን ኣገልግሎት/ሓገዝ ናብቶም ኣብ ኣብ ቦታኹም ተመዲቦም ዘለዉ ወኪላት ቤት ጽሕፈት ክትሓቱ ንሕብር።
ቅድሚ ናብ ቤት ጽሕፈት ምምጻእኹም ኣብቲ ናይ ቤት ጽሕፈት website ብምኻድ እቲ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ይህብ ምህላዉ ምርግጋጽ። ዝኾነ ሓድሽ ነገር/ ከም ምብልሻው system ወዘተ ኣገልግሎት ኣብ ዘይንህበሉ ግዜ ካብ ርሑቕ ከባቢታት እትመጹ ብፍላይ ኣደዳ ዘይተደልየ ወጻኢታትን ገልታዕታዕን ከይትኾኑ ኣረጋጊጽኹም ምጹ። ከይየረጋገጸ ዝመጸ ናይ ገዛእ ርእሱ ጉድለት ምዃኑ ንሕብር።
ስእሊ ኣብ ቤት ጽሕፈት ስለ ዝውሰድ ሒዝካ ምምጻእ ኣየድልን። ንስእሊ ድሉው ኮንካ/ኪ ናብ ቤት ጽሕፈት ቕረብ። ብዘይካ ብሓኪም ዝተአዘዘ ዘዘውትሮ ናይ ዓይኒ መነጽር፡ ምስ እምነት ሃይማኖትን ዝተአሳሰር ቆቢዕን መዓመምያን እተዘይኮይኑ ካልእ ናይ ጸሓይ መነጽር ቆብዕን ባርኔጣን …ወዘተ ዘይለበሰ ክኸወን ይግባእደቂ ኣንስትዮ ስቑረን ኣብ ኣፍንጫ ደቂ ተበዕትዮ ከኣ ኣብ እዝኒ ስቑረን ከምኡ`ውን ኣርተፊሻል ጸግሪ ኣይፍቀድን ኢዩ።
ሓድሽ ኤርትራዊ ወረቐት መንነት
መተካእታ ወረቐት መንነት
መኣረምታ ኣብ ወረቀት መንነት
መኣረምታ ወረቐት መንነት (ስም፡ ዕለት ልደት፡ ወይ ቦታ ልደት) ዝምልከት ብቤት ፍርዲ ምስ ተወሰነን ብቆንስላዊ ጉዳያት ምስ ተረጋገጸን ጥራይ ኢዩ ዝፍጸም።
ዝጠፈእ ወረቐት መንነት
እዚ ከይተመለአ ምትካእ መስርሕ ኣይጀመርን ኢዩ
ወረቀት መንነት ንትሕቲ ዕድመ
ሓዳሽ ፓስፖርት ንዝሓትት
መዓልቱ ዝኣኸለ (ዝወደቐ) ፓስፖርት መተካእታ/ Expired Passport
ዝጠፈአን ዝተባላሸወ ፓስፖርት መተካእታ ዝሓትት / Lost & Damage
ሕጋዊ ሰነዳት
ፎርም B4 ንምምላእ
ግቡኣት ምምላእ
ዉክልና ስልጣን
ምርግጋጽ ሰነድ
ምርግጋጽ ህላውን ነባርነት
ህላወ ምስክርነት ወይ ነባርነት ንጥሮታ ይኹን ወይ ንብረት ንኤርትራ ንምልኣኽ ዘኽእል ሓታቲ ብህይወት ከምዘሎ ወይ ነባሪ ሃገር ስካንዲነቪያን ከም ዝኾነ ንምርግጋጽ ክቕረብ ዘለዋ ሰነዳት፦
ምርግጋጽ ኩነተ-መርዓ
ምርግጋጽ ካልእ ዝተፈላለዩ ሰነዳት